ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤድስ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”መሪሕነት ማሕበረሰብ ንዝዓዘዘ ምክልኻል ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ብዝብል መሪሕ ቃል ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤድስ ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መርሃ-ግብሪ÷ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ሓዊሱ ተወከልቲ ኣብቲ ዓውዲ ዝሰርሑ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣምባሳደራት፣ ሓለፍቲ ቢሮ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን፣ መዳርግቲ ኣካላትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ኣብ ደሞም ዘዘለዎም ሰባት ቁፅሪ 610 ሺሕን 350 እንትኸውን÷ 61 ሚኢታዊ ዝኾና ግዳያት እቲ ቫይረስ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን።

ብታሪኩ ወልደሰንበት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment