ስፓርት

ስፓርት

ኢትዮጵያ ቡና ንድሬዳዋ ከተማ 4 ን 1 ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንድሬዳዋ ከተማ 4 ን 1 ስዒራ። ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንኽትዕወት መስፍን ታፈሰ፣ ሮቤል ተክለሚካኤል፣ ኣንተነህ ተፈራን ኣማኑኤል ዮሃንስን ሸቶታት እንተመዝግቡ ብሕታዊት ሸቶ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ያሲን ጀማል ኣመዝጊቡዋ፡፡ ኢትዮጵያ ቡና ነጥባ 30 ብምብፃሕ ምስ ጋንታታ ሃድያ ሆሳዕናን ፋሲል ከነማ ማዕረ 5ይ ደረጃ ክትቅመጥ ክኢላ፡፡ መበል 21 ሰሙን መርሃ ግብሪ እቲ ልግ ቀፂሉ፤ ባሕር ዳር ከተማን ኢትጵያ መድን ምሸት ዓት 12፡00…
Read More...

ተናሓናሕቲ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ኣብ ኢትሃድ ክራኸባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተናሓናሕቲ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጋንታታት ማንቼስተር ሲቲን ኣርሰናልን ሎሚ ምሸት ኣብ ስታዲየም ኢትሃድ ክራኸባ ኢየን። ኣብቲ ፀወታ ጋንታ ኣርሴናል ካብ ተኸታሊታ ማንቼስተር ሲቲ ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ንምስፋሕን ድሕሪ 19 ዓመት ፅዋዕ እቲ ሊግ ንምዕታርን ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ፡፡ ንሰለስተ ፅዋዕ እናተነሓነሐት…

ኣትሌት ሲፈን ሓሰንን ኣትሌት ኬልቪስ ኪፕተምን ተዓወትቲ ማራቶን ለንደን 2023 ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ  ማራቶን ለንደን 2023 ትውልደ ኢትዮጵያ ኔዘርላንዳዊት ኣትሌት ሲፈን ሓሰንን ኬንያዊ ኣትሌት ኬልቪስ ኪፕተምን ተዓዊቶም። ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት መገርቱ ዓለሙ ካልአይቲ እንትትወፅእ÷ ኬንያዊት ኣትሌት ፔሬስ ጄፕቺርቺር ሳልሰይቲ ወፂኣ፡፡ ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ኢትዮጵያዊ…

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ኣልማዝ ኣያናን ዝሳተፉሉ ማራቶን ለንደን ዝቕፅል ሰንበት ካካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓበይቲ ኣትሌታት ዝነሓንሑሉ ማራቶን ለንደን 2023 ዝቕፅል ሰንበት 15 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ውድድር ብደቂ ተባዕትዮ ቀነኒሳ በቀለ ዝካፈል እንትኸውን÷ ክዕወቱ ኢዮም ዝብል ግምት ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦም ሓደ ኢዩ፡፡ ቀነኒሳ በቀለ ኣብቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 1 ደቒቓን 41 ሰከንድን ብምጉያይ ካልኣይ…

ሳዲዮ ማኔ 350 ሺሕ ዩሮ ገንዘባዊ ቅፅዓት ተመሓላሊፉዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ሊቨርፑል ሳዲዮ ማኔ 350 ሺሕ ዩሮ ገንዘባዊ ቅፅዓት ከምዝተመሓላለፎ ጋንታ ባየርሙኒክ ኣፍሊጣ፡፡ ማኔ ናይ ጋንታ መሓዝኡ ንዝኾነ ሌሮይ ሳኔ ኣብ መቐየሪ ክዳን  ክፍሉ ብጉስጢት ብምድብዳቡ ኢዩ እቲ ገንዘባዊ ቅፅዓት ተመሓላሊፉዎ፡፡ እቲ ዝተመሓላለፎ ቅፅዓት ገንዘብ ኣብ ታሪኽ እታ ጋንታ ዝለዓለ…

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም። ኣብ ቻይና ከተማ ውሃን ኣብ ዝተገበረ ውድድር ጎደና፥ ኣትሌት ትዕግስት ታደሰ ካልአይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ። ኣብ ዥንግ ካይ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ታፈረ ኣዲሱ፣ ገለታ ስንታዬሁን ወርቁ ድረሴን ብቕደም ሰዓብ ካብ…

ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ካብ ዋና ኣሰልጣንነት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብሓበራዊ ስምምዕ ተፈላሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ካብ ዋና ኣሰልጣንነት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብሓበራዊ ስምምዕ ከምዝተፈላለዩ ተገሊፁ። ተሰናባቲ ኣሰልጣኒ ካብ መስከረም 2013 ዓ.ም ጀሮም ዋና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣገልጊሎም፡፡ ኣሰልጣኒውበቱ ኣባተ ካብ ሓላፍነቶም ንምልቃቕ ናብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ብዘቕረቡዎ ሕቶ…