Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ማንቸስተር ሲቲ ሻምፒዮና ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ሻምፒዮና ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ 2023/24 ኮይና። ሎሚ መዓልቲ ፍፃኡ ዝረኸበ ውድድር ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ 2023/24÷ ማንቸስተር ሲቲ ንዌስትሃም 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኢያ ሻምፒዮና ምዃና ክተረጋግፅ ክኢላ ዘላ፡፡ ሻምፒዮን ናይ ምዃን ዕድል ዝነበራ ጋንታ ኣርሰና ንኤቨርተን 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ትስዓር እምበር ሲቲ ነጥቢ ብዘይ ምድርባያ ካልአይቲ ብምዃን ዛዚማ፡፡ ብመሰረት እዚ ማንቸስተር ሲቲ 91 ነጥቢ ብመሓዝ እንትትዛዝም÷ አርሰናል ብ89 ነጥቢ…
Read More...

ውድድር ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዓመተ 2023/24 ሎሚ ምሸት መፈፀምትኡ ክረክብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘበነ ውድድር 2023/24 ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ሰዓት 12፡00 ብተመሳሳሊ ሰዓት ብዝግበሩ ፀወታታት ክዛዘም ኢዩ። መሪሕ እቲ ሊግ ማንቼስተር ሲቲን እናተኸተለት ትርከብ ጋንታ ኣርሰናልን ፅዋዕ ናይ ምዕታር ዕድል ሒዘን ኣብ ሜዳአን ንተጋጠምተን ከተኣአናግዳ ኢየን። ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ስታዲዬም ኢቲሃድ ምስ…

ሰለሞን ባረጋ ብ5000 ሜትሮ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰለሞን ባረጋ ኣብ ሎስኣንጀለንስ ኣብ ዝተኻይድ ውድድር 5000 ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ተዓዊቱ። በሪሁ ኣረጋዊ ድማ ብ12:52.09 ብምእታው ካልኣይ ብምዃን ውድድሩ ምዝዛሙ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ፓሪስ ማራቶን ቀነኒሳ በቀለ ሓዊሱ ተሳታፍቲ ኣትሌታት ተሓሪዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ፓሪስ ማራቶን ዝሳተፉ ቀነኒሳ በቀለ ሓዊሱ ብኽልቲኡ ፆታ ዝሳተፉን ተተካእቲን ኣትሌታት ብምሕራይ ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት እዚ ብደቂ ተባዕቲዮ፥ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ፣ ሲሳይ ለማን ዴሬሳ ገለታን ተሓሪዮም ኣለዉ። ኣትሌት ታምራት ቶላን ኡሰዲን መሓመድን ድማ ብተተካእቲ ምክታቶም ተገሊፁ።…

ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንጋንታ ወላይታ ድቻ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ስኢራታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ መሪሕ እቲ ሊግ ዝኾነት ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንጋንታ ወላይታ ድቻ 5 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ስኢራታ። ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ዝተገበረ ፀወታ÷ ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንኽትዕወት ፍፁም ግርማይ (ኣብ ናይ ባዕሉ መረብ)፣ ባሲሩ ዑመር፣ ሳይመን ፒተር፣ ኤፍሬም ታምራትን ኪቲካ…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቪኤኣር ተግባራዊ ከይግበር ዘኽእል ድምፂ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ዝቕፅል ውድድር ዓመት ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተሓገዘ ዳይነት (ቪኤኣር) ተግባራዊ ከይግበር ዘኽእል ድምፂ ክህባ ምዃነን እቲ ሊግ ኣፍሊጡ፡፡ ቪኤኣር ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝተገበረ እንትኸውን÷ ዝተወሰና ጋንታታት ብውሳነ ቪኤኣር…

ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብኽሊቲኡ ፆታ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኳታር ዶሃ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ብኽሊቲኡ ፆታ ተዓዊቶም። ኣብቲ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ ነቲ ርሕቐት ብ4 ደቒቓ 4 ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ። ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኣትሌት ሳሮን በርሀ ድማ ብ4 ደቒቓ 9 ሰከንድን 62…