Fana: At a Speed of Life!

ሓበሬታ ብዛዕባ ፋና

ኣክስዮን ማሕበር ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ 1987 ዓ.ም እንትጣየሽ ድሑራት ዝኾኑ መሳርሒታትን ውሑድ ሓይሊ ሰብን ብምሓዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ ሚዲያ ብሮድ ካስቲንግ ሓዱሽ ኣቀራርባ ወኒኑ ናብ ስራሕ ኣትዩ እዩ። ኣብ ከይዲ ድማ ኣወዳድብኡን ትሕዝቶ መርሃ ግብሩን እናመሓየሸን ፀገማቱ እናቐረፈን ቅልጣፍኡ ቀፂሉ። ነዚ እውን ሕብረተሰብ ተኮር ኣብ ዝኾኑ ፕሮግራማት ብምድሃብ ንምምሕያሽን ምዕባለን ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ ናብራን ፖለቲካን ህዝቢ ዝነጥፍ ሚዲያ ብምዃን ካብ እዋን ናብ እዋን ኣድመፅቱ ይኹኑ ተመልከትቱ ከምኡ እውን ደገፈቱ ክበራኸቱ ብምግባር ብዘፈር ቴሌቪዥን፣ ሬዲዮን ኦንላይንን ብዝለዓለ ደረጃ ተመራፂ እናኾነ መፂኡ እዩ።

ትካልና ንባዕሉ ብዝተምሃረን ልምዲ ዘዋህለለን ሓይሊ ሰብ ዝማዕበለ፣ ምስ እዋናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዋሃሃደን ናይ ምምሃር፣ ምፍላጥን ምህዳስን ተርኡ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብ ሚዲያ ሃገርና ለውጢ ዘምፀአ ትካል እዩ። ብፍላይ ብሬዲዮን ኦንላይን ሚዲያን ንብዙሕ ዓመታት ዝሰርሐን ልምዲ ዘዋህለለን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ንግልጋሎት ሚዲያ ተባሂሉ ዝተሃነፀ በዓል 11 ደብሪ ኮምፕሌክስ ህንፃ ወኒኑ እዩ። በዚ እውን ካብ ወርሒ ጥሪ 2003 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብምዕባይ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳምነት ዝስራዕ ትካል ሚዲያ ናይ ምዃን ሕልሙ ንምዕዋት ኣብ ልዑል ምንቅስቓስ ይርከብ።

ተሃኒፁ ኣብ ዘሎ ኮመፕሌክስ ህንፃ ሙሉእ ብሙሉእ ኤች ዲ/HD/ ዝኾነ ስቱዲዮ ቴሌቪዥን ብምትእትታው ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ኤች ዲ/HD/ ዝኾነ ፈነወ ቴሌቪዥን ብምጅማር ቀዳምነት ሒዙ ኣሎ። ትካልና ድሕሪ ሒደት ፈተነ እዋን ጣብያ ቴሌቪዥኑ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2010 ዓ.ም ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ነበር ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ብምምራቕ ብሙሉእ ፈነወ ቋንቋ ኣምሓርኛ ጀሚሩ እዩ።

ኣብ ዘፈር ኦን ላይን እውን እንተኾነ እዚ ዘመን ብዝሓቶ መሳርሒን ሓይሊ ሰብን ብምዕጣቕ ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኦሮሚኛን እንግሊዘኛን ኣብ ድረገፅ ትሕዝቶ ዲጂታል ኣብ ምትሕልላፍ ይርከብ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያውያን ብበዝሒ ኣብ ዝጥቀምሉ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክን ትዊተርን ትሕዝቶ ዲጂታል ብፅሑፍ፣ ፎቶግራፍ፣ ቪዲዮን ድምፅን የቕርብ ኣሎ። በዚ እውን እቶም ትሕዝቶታት ኣብ ሰሙን ብማእኸላይ ልዕሊ 6 ሚሊየን ሰብ ይዕዘቦምን ዘድሊ መልእኽቲ ይርበሐሎምን ኣሎ።
ኣብ ዘፈር ሬዲዮ፥ ካብ ፈነወ ብሄራዊን ፋና ኤፍ ኤም 98 ነጥቢ 1ን ብተወሳኺ ኣብ ሚዲያ ብሮድካስቲንግ ኣፈላላይ ብምፍጣር ኣብ ታሪክ ሚዲያ ሃገርና ቅልጣፍኡ ኣዝዩ ብዘገርም ኩነታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃእ ኣብ 11 ከተማታት ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና ጣብያታት ኤፍ ኤም ብዝተወደበ ሓይሊ ሰብን ዝተማልአ ቴክኖሎጂ ሬድዮን ባዕሎም ብባዕሎም ብምትእስሳር ከፊቱ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ 12 ጣብያታት ኤፍ ኤም ተጣይሾም ግቡእ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ይርከቡ። ብመሰረት እዚ ኣብቶም 12 ጣብያታት ኤፍ ኤም፥ ፈነወ ቋንቋ ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞ፣ ዓፋርኛ፣ ሶማሊኛ፣ ትግርኛ፣ ወላይትኛን ሲዳምኛን ይተሓላለፉ ኣለዉ።

ካብ’ዚ ሓሊፉ ናይ ባዕሉ ማእኸል ስልጠና ቴክኖሎጂ፣ ጋዜጠኝነትን ኮሙዪኒኬሽንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምጥያሽ ኣገልግሎት ስልጠናን ምምኻርን እናሃበ ይርከብ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ኣብ ማእኸልን(ኣዲስ ኣበባ) ክልላትን 1 ሺሕ ናተይነት ዝስመዖምን ውግንና ህዝቢ ዘለዎምን ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።