Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ ውድድር ጉያ 5 ኪ/ሜትሮ ቅድሚት ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት መዲና ኢሳ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ቅድሚት ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት መዲና ኢሳ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ፡፡ ኣብቲ ውድድር÷ ካብ ኣትሌት መዲና ብምቕፃል ኣትሌት ፅጌ ገብረሰላማ ካልአይቲ ኣትሌት መልክናት ውዱ ሳልሰይቲ ብምኻን ውድድረን ዛዚመን፡፡ እቲ ውድድር ዓብዪ ጉያ÷ ብኣሰናዳእነት ኢትጵያ ዝሳለጥ ኮይኑ፤ መበገሲኡን መዛዘሚኡን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቦሌ ኣትላስ ዝተሳለጠ ኢዩ፡፡ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ፣…
Read More...

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጊኒ ሎሚ ምሸት ፀወተኦም ከካይዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጊኒ ሎሚ ምሸት ፀወታ ምፅራይ ዋንጫ ኣፍሪካ ከካይዱ ኢዮም። እቲ ፀወታ ሰዓት 5፡30 ከምዝግበር ኣብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana…

መሱት ኦዚል ጫምኡ ከምዝሰቐለ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናዊ ፃዋቲ ክፍሊ ምክፍፋል መሱት ኦዚል ኣብ 34 ዓመቱ ካብ ኩዕሾ እግሪ ንባዕሉ ኣግሊሉ፡፡ ኣብ ጀርመናውያን ጋንታታት ሻልከ 04ን ዌርደር ብሬመን እናተፃወተ ዝነበረ ኦዚል፥ ኣብ 2010 ደቡብ ኣፍሪካ ዝተኻየደ ፅዋዕ የዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ብዘርአዮ ዝነኣድ ብቕዓት ናብ ስፔናዊት ጋንታ ሪያል ማድሪድ ክፅምበር…

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ጊኒ ንትገብሮ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናብ ሞሮኮ ኣቲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ጊኒ መዘናኣ ንእትገብሮ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናብ ሞሮኮ ኣቲያ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብኣሰናዳእነት ኮትዲቯር ኣብ ዝካየድ መበል 34 ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምስታፍ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጊኒ ናይ ምድብ መፃረዪ ፀወታኣ 15ን 18 መጋቢት 2015 ዓ.ም ኣብ ሞሮኮ ክትገብር ኢያ። ኣሰልጣኒ…

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ፀወታ መለክዒ ቁመና ንሩዋንዳ 1ን0 ስዒሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየደቶ ፀወታ መለክዒ ቁመና ንሩዋንዳ 1ን0 ስዒራታ፡፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ፥ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ ጊኒ ንትገብሮ ፀወታ መለክዒ ቁመና ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 10 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ኣካይዳ፡፡ በቲ ፀወታ ድማ ኢትዮጵያ…

ኣብ ማራቶን ሶል ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዝተኻየደ መበል 77 ውድድር ማራቶን ሶል ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም። ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ዘሎ ደረጃ ብመሓዝ ነቲ ርሕቐት ዛዚሞም፡፡ ኣትሌት ኣምደወርቅ ዋለልኝ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 26 ሴኮንድ ብምእታው ቀዳማይ እንትኸውን፥ ኣትሌት ሺፈራው ታምሩን ኣትሌት…

ምድብ ድልድል ውድድር ርብዒ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ

ምድብ ድልድል ውድድር ርብዒ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ሲቪያ ጁቬንቱስ ምስ ስፖርቲንግ ሊዝበን ባየር ሌቨርኩዘን ምስ ዩኒዮ ኤስዤ ፌይኖርድ ምስ ሮማ ተደልዲለን። ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ካብ ፀወታ ጁቬንቱስን ስፖርቲንግን ሊዝበንን ዝተዓወተት፤ ኣብ ፀወታ ማንቼስተር ዩናይትድን ሲቪያን ምስ ዝተዓወተት ጋንታ ክጋጠማ ኢየን። ተዓዋቲት ፀወታ…