Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ካልኣይ ዙር ልኡኽ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ኣምሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ልኡኽ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ኣትዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንምስታፍ ኢዩ ተጓዒዙ። ካብ መንጎ ኣባላት እቲ ልኡኽ መዳሊያ ከምፅኡ ኢዮም ተባሂሎም ትፅቢት ዝግበረሎም ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊን ሰለሙን ኣረጋን ሓዊሱ ብዙሓት ኣትሌታት ምክታቶም ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana ድረ ገፅና…
Read More...

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ንፍፃመ በፂሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንመሰናድኢት እቲ ውድድር ኣውስትራሊያ 3 ን 1 ብብዝኾነ ውፅኢት ምስዓር ንፍፃመ በፂሓ። እንግሊዝ ንኽትዕወት ኤላ ቶኒ፣ ላውረን ሄምፕን ኣሌሲያ ሩሶን ሸቶታት እንተመዝግባ÷ ብሕታዊት ሸቶ ውስትራሊያ ድማ ሳም ኬር ኣመዝጊባታ፡፡ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ…

ኣል ሂላል ንኔይማር ንምፍራም ምስ ፔ ኤስ ጂ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ ኣል ሂላል ንኔይማር ንምፍራም ምስ ጋንታ ፈረንሳይ ዝኾነ ፓሪሴንት ዥርመን (ፔ ኤስ ጂ) ከምዝተስማዕመዐ ተገሊፁ። ኣመራርሓ ክልቲኦም ጋንታታት ኔይማር ንምዝውዋር ብዝገበርዎ ስምምዕ፥ ፒ ኤስ ጂ ካብቲ ዝውውር 86 ሚሊየን ፓውንድ ክረክብ ኢዩ ተባሂሉ። ኔይማር ክሳብ 2025 ዓ.ም.ፈ ዘፅንሖ ስምምዕ…

ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝሳተፉ ኣትሌታት ምፍናው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝውክሉ ኣትሌታት ምፍናው ተገይሩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው÷ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉን ተረኺቦም፡፡ እቲ ልኡኽ…

ኣርሴናል ኣብ ፈላማይ ፀወታ ፕርሚየር ሊግ ኢንግሊዝ ንኖቲንግሃም ፎረስት 2 ን1 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርሴናል ኣብ ፈላማይ ፀወታ ውድድር 2023/24 ፕርሚየር ሊግ ኢንግሊዝ ንኖቲንግሃም ፎረስት 2 ን1 ብምስዓር ተዓዊታ። ኣርሴናል፥ ኤዲ ኒኪታህን ቡካዩ ሳካን ብዘቑፀርወን ሸቶታት ኢያ ክትስዕር ክኢላ። ንኖቲንግሀም ፎረስት ብሕታዊት ሸቶ ዘቑፀረ ድማ ኣዎኒዪ ኢዩ። ዝወፅአ መርሃ ግብሪ ከምዝሕብሮ፥ ኣብ ቀፃሊ ሰሙን…

ውድድር ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሽት ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ኩዕሾ እግሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 2023/24 ሎሚ ምሽት ጋንታ በርንሌይ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ብዝገብረኦ ፀወታ ክጅምር ኢዩ  ጨዋታ ጅማሮውን ያደርጋል፡፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ፕሪሚየርሊግ÷ ሓዳሽ ናብቲ ሊግ ዝዓበየት ጋንታ ርንሌይ ምስ ሻምፒዮን ፕሪሜርሊግ ዝሓለፈ ዓመት ዝኾነት ማንቼስተር ሲቲ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ…

መርሃ ግብሪ ውድድር ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ውድድር ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2016 ዓ.ም ዕላዊ ኮይኑ። ብመሰረት እዚ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ሲዳማ ቡና ምስ ኢትዮጵያ ቡና፣ ኣዳማ ከተማ መስ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ፣ ሻሸመኔ ከተማ ምስ ወላይታ ድቻ፣ ሀምበሪቾ ዱራሜ  ምስ ድሬዳዋ ከተማ፣ ሃዋሳ ከተማ  ምስ ፋሲል ከነማ፣ ሃድያ ሆሳዕና  ምስ መቻል ከምኡውን…