Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ረኺባ። ኣኮሎምቢያ ካሊ እየተኻየደ ዝርክብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ለይቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ክትረክብ ክኢላ። ኣብ ውድድር ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኣዲሱ ይሁኔ ብ14 ደቂቕ 3 ሰከንድን 5 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ንሃገሩ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኡ። ኣብ ፍፃመ…
Read More...

ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ዝጅምር ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዝተፈላለዩ ውድድራት ክሳተፉ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ምሸት ሰዓት 12 መፃረዪ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝግበር እንትኸውን፥ ምሸት ሰዓት 12፡30 ድማ መፃረዪ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ…

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መሰታኡ ደቡብ ሱዳን 5 ንባዶ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ሱዳን  ኣብ ዝገበሮ መፃረዪ ፀወታ ሻምፒዮና ኣፍሪካ(ቻን) 5 ንባዶ ብምዕዋት ናብ ቀፃሊ ዙር ሓሊፉ። መበል ሻውዓይ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ቻን ኣብ ኣልጀሪያ 2023 ዓ.ም.ፈ ክካየድ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሎሚ መመዓልቲ…

እዞም ጀጋኑ ኣትሌታት ውፅኢት ቅብብል ትውልዲ ነባር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኢዮም-ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዞም ጀጋኑ ኣትሌታት ውፅኢት ቅብብል ትውልዲ ነባር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኢዮም ክብላ ፕሬዚዳንት ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉ ተዛሪበን። ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝግበሩ ውድድራት በዝሒ ሜዳሊያ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ክብ ንክብል ከምዝስራሕ እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን። ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን ኣብ ዝተሳለጠ መበል…

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝሳተፉ ትሕቲ 20 ዓመት ኣትሌታት ስነ ስርዓት ምፍናው ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ኣብ ዝግበር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝሳተፉ ትሕቲ 20 ዓመት ኣትሌታት ስነ ስርዓት ምፍናው ተሳሊጡ። እቲ ስነ ስርዓት ምፍናው 2 ሰዓት ናይ ንጎሆ ዝተገበረ እነትኸውን፥ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተወከልቲ  ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ ተፈፂሙ። ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ዝግበር ውድድር…

ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2014 (2014) ኢትዮጵያ ኣብ ኦሪገን ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ። ኣብቲ ውድድር ኣርባዕተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብድምር 10 ሜዳሊያታት ብምርካብ ኢያ ካልአይቲ ክትወፅ ክኢላ። ብማራቶን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከምኡ እውን ብ10 ሺሕን 5 ሺሕን ሜትሮ ደቂ…

ኣብ መዛዘሚ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተኻየዱ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣይተዓወቱን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2014 (2014)ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ዝተኻየዱ መዛዘሚ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ኣይቀንዖምን። ኣብ ናይ ሎሚ ወጋሕታ መዛዘሚ ውድድር ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ብ800 ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣንስትዮን ኢትዮጵያን ኣትሌታት ተሳቲፎም ኣይዓወቱን። ብ5 ሺሕ ደቂ ተባዕትዮ ኖርዌይ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ።…