Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2014 (2014) ኢትዮጵያ ኣብ ኦሪገን ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።

ኣብቲ ውድድር ኣርባዕተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብድምር 10 ሜዳሊያታት ብምርካብ ኢያ ካልአይቲ ክትወፅ ክኢላ።

ብማራቶን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከምኡ እውን ብ10 ሺሕን 5 ሺሕን ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣርባዕተ ወርቂ ዝተረኸበሎም ውድድራት ኢዮም።

ኢትዮጵያ ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ ኣንስትዮን፣ ብማራቶን ደቂ ተባዕትዮን ብደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮን ሜዳሊያትት ብሩር እንትትረክብ፥ ብ3 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ መሕንኩሎን ብ5 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ሜዳሊያታት ነሓስ ብኣትሌታታ ረኺባ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ መበል 18 ውድድር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ ካብ ዓለም ካልኣይ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድራ ዛዚማ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.