Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

መበል 53 ሻምፒ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ ክዛዘም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 ( ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 21 ጥሪ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሽዱሽተ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝፀንሐ መበል 53 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ ክዛዘም ኢዩ። ኣብቲ ሻምፒዮና፥ ኣብ ካሜሮን ዝካየድ መበል 23 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካን ኣብ ጋና ኣክራ ዝካየድ ውድድር መላእ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝሳተፉ ኣትሌታት ዝተፈለዩሉ፡፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ፕሮግራም፥ ዝላ ምርኩዝ ደቂ ኣንስትዮን ውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን እናተኻየዱ ከምዝኾኑ ሓበሬታ ፌዴሬሽን…
Read More...

ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ርብዒ ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ርብዒ ፍፃመ መበል 34 ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም። ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ፀወታታት፥ ናይጄሪያ ምስ ኣንጎላ፣ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ምስ ጊኒ ክራኸባ ኢየን። ናይጄሪያ ምስ ኣንጎላ ሰዓት 2፡00 ምሸት ኣብ ስታዲየም ፌኪክስ ሆፌት ኣቢጃን ዝካየድ እንትኸውን፥ ሰዓት 5፡00 ድማ ዲሞክራቲክ ኮንጎ…

ኣቤል ያለው ናብ ግብፃዊት ጋንታ ዜድ ኤፍ ሲ ተፀምቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣቤል ያለው ናብ ግብፃዊት ጋንታ ዜድ ኤፍ ሲ ከምዝተፀምበረ ጋንትኡ ኣፍሊጣ። ካብ ታሕተዋይ ሊግ ብምዕባይ ንፕሪሚየር ሊግ ግብፂ እናመርሐት ትርከብ ጋንታ ዜድ ኤፍ ሲ÷ ንኣቤል ያለው ንምፍራም ምንቅስቓስ እናገበረት ፀኒሓ ነይራ፡፡ ምስ ጋንት ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተረፈ ሓደ ዓመት…

ሃገር ለኸ ቅብብል ሽግ ፓሪስ ኦሎምፒክ 2024 ኣብ መቐለ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ዝካየድ ፓሪስ ኦሎምፒክ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገር ለኸ ቅብብል ሽግ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ÷ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉን ካልኦት ኣመራርሓታትን ተረኺቦም። ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም ንዝካየድ…

ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ኣብ ኣስታና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፒዮና 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ኣብ ካዛኪስታን፣ ኣስታና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፒዮና 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ናይዚ ዓመት ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ። እቲ ኣትሌት ነቲ ውድድር ብ7 ደቒቓን 33 ሴኮንድን 85 ማይክሮ ሴኮንድን ብምእታው ከምዝተዓወተ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዋናዊ…

ጋና ንሰልጣኒኣ ክሪስ ሁተን ኣሰናቢታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋና ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ካብ ምድብ ዘይምሕላፋ ስዒቡ ንኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ክሪስ ሁተን ኣሰናቢታቶም፡፡ ጋና ኣብ 2023 ፅዋዕ ኣፍሪካ ግምት ሻምፒዮናነት ካብ ሞንጎ ዝተውሃበን ኣርባዕተ ሃገራውያን ጋናትታት ሓንቲ ትኹን እምበር ትፅቢት ብዘይተገበረሉ ኩነታት ካብ ምድባ ክትሰናበት ተገዲዳ፡፡ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ምስ…

ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ኣብ ፈረንሳይ ሌቪን ኣብ ዝካየድ ውድድር ጉያ 3 ሺሕ ሜትሮ ክሳተፍ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዋና ክብረ ወሰን ዓለም 3 ሺሕ ሜትሮ መሰናክል ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ኣብ ፈረንሳይ ሌቪን ኣብ ዝካየድ ውድድር ጉያ 3 ሺሕ ሜትሮ ክሳተፍ ኢዩ ተባሂሉ። እቲ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፈ ዘበነ ውድድር ኣብ ፈረንሳይ ሌቪን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ 3 ሺሕ ሜትሮ ብ7 ደቒቓን 23 ሰኮንድን 81 ማይክሮ ሰኮንድን ብምእታው…