Fana: At a Speed of Life!

ጋና ንሰልጣኒኣ ክሪስ ሁተን ኣሰናቢታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋና ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ካብ ምድብ ዘይምሕላፋ ስዒቡ ንኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ክሪስ ሁተን ኣሰናቢታቶም፡፡

ጋና ኣብ 2023 ፅዋዕ ኣፍሪካ ግምት ሻምፒዮናነት ካብ ሞንጎ ዝተውሃበን ኣርባዕተ ሃገራውያን ጋናትታት ሓንቲ ትኹን እምበር ትፅቢት ብዘይተገበረሉ ኩነታት ካብ ምድባ ክትሰናበት ተገዲዳ፡፡

ሃገራዊት ጋንታ ጋና ምስ ሞዛምቢክን ግብፂን ማዕረ እንትትፈላለ÷ ብኬፕ ቬርዴ ድማ ስዕረት ብምትእንጋደ ካብ ምድባ 2 ነጥቢ ጥራሕ ብመሓዝ ካብቲ ውድድር ወፃእ ክትከውን ክኢላ፡፡

እዚ ድኹም ውፅኢት ስዒቡ ድማ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ ጋና ንኣሰልጣኒ ክሪስ ሁተን ካብ ሓላፍነቶም ዘልዐለ እንትኸውን÷ ሓለፍቲ ክፍሊ ቴክኒክ እታ ሃገራዊት ጋንታ ከምዝተሰናበቱ እውን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.