Fana: At a Speed of Life!

ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ለንደን ደርቢ ብዓወት ጋንታ ኣርሰናል ተዛዚሙ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ0፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ለንደን ደርቢ ኣርሰናል ንቶተንሃም 3 ን 2 ብዝኾ ውፅኢት ስዒራ፡፡

ካብ ሰዓት 10 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ ኣርሰናልን ንኽትዕወት ቡካዮ ሳካ፣ ካይ ሃቨርተስን ሆይቤር (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ)ን ኣመዝጊቦምወን፡፡

ንቶተንሃም ካብ ስዕረት ዘየድሐና ሸቶታት ድማ÷ ክርስቲያን ሮሜሮን ሰን ሆንግ ሚን ብፍፁም ቅላዕን ኣመዝጊቦምወን፡፡

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኣርሰናል ኣብ ንሕንሕ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ክሳብ መወዳእታ ክቕፅል ብምግባር መሪሕነታ ተቐፅል ኣላ፡፡

ኣርሰናል 80 ነጥቢ ቦችን ብመሓዝ 1ይ ደረጃ እንትትሕዝ÷ ማንቼስተር ሲቲ ናይ  ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ክልተ ተስተኻኻሊ ፀወታ እናተረፋ ብ76 ነጥቢ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.