Fana: At a Speed of Life!

2023 ንተወዳደርቲ 5 ሺሕ ሜትሮ ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዓመት ነይሩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ንተወዳደርቲ 5 ሺሕ ሜትሮ ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዓመት ከምዝነበረ ኣትሌቲክስ ዓለም ገሊፁ።

ኣብቲ ዓመት ክብረ ወሰን እቲ ርሕቐት ክልተ ግዘ ከምዝተሰበረ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ 10 ናይ ኩሉ ግዘ ቅልጡፋት ሰዓታት አቶም ሽዱሽተ ኣብዚ ዓመት ዝተመዝገቡ ከምዝኾኑ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ክብረ ወሰን ዓለም እቲ ርሕቐት ኣብ ኣሜሪካ ኢውጅን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ 14 ደቂቃ 00 ሴኮንድን 21 ማይክሮ ሴኮንድ ብዝኾነ ሰዓት ከምዝተትሓዘ ይፍለጥ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.