Fana: At a Speed of Life!

ጁለን ሎፔቴጉይ ኣሰልጣኒ ጋንታ ዌስትሃም ንምዃን ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ጁለን ሎፔቴጉይ ኣብ መወዳእታ እዚ ውድድር ዓመት ኣሰልጣኒ ጋንታ ዌስትሃም ዩናይትድ ንምዃን ተስማዕሚም፡፡

እቲ ስምምዕነት ተፈፃሚ እንድሕር ኮይኑ ድማ ወዲ 57 ዓመት ነበር ኣሰልጣኒ ጋንታ ዎልቭስ ዳግም ናብ ፕሪሚየር ከምዝምለሱ ትፅቢት ይግበር፡፡

ኣሰልጣኒ ዌስትሃም ዴቪድ ሞይስ÷ እታ ጋንታ ኣብ ዝሓለፉ 9 ፀወታታት ሓደ ግዘ ጥራሕ ምዕዋታን ካብ ውድድር ዩሮፓ ሊግ ወፃእ ምዃናን ስዒቡ ፅዕንቶ በዚሑዎም ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ክረምት ውዕሊ ኮንትራቶም ዝዛዘም ዴቪድ ሞይስ÷ ኣብታ ጋንታ ዝህልዎም ፃንሒት ብዝምልከት 19 ጉንበት ምስ ጋንታ ማንቸስተር ሲቴ ድሕሪ ዝገብሩዎ ፀወታ ዝርርብ ከምዝጅመሩ ገሊፆም ነይሮም፡፡

ይኹን እምበር ትማሊ ምሽት ብጋንታ ቼልሲ 5 ን 0 ስዕረት ዘጋጠሞም እቶም ኣሰልጣኒ÷ ጁለን ሎፔቴጉይ ምስ ዌስትሃም አንድሕር ተፈራሪሞም ምስታ ጋንታ ዝነበሮም ፃሒት ዝዛዘም ይኸውን፡፡

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ስፔንን ሪያል ማድሪድ ዝነበሩ ጁለን ሎፔቴጉይ ካብ ካብ ወልቭስ ድሕሪ ምስንባቶም ዳግም ናብ እንግሊዝ ንምምላስ ድሌት ከምዝነበሮም እናገለፁ ምፅነሖም ቢቢሲ ስፖርት ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.