Fana: At a Speed of Life!

ኣርሰናል እንትትሰዓር ቶተንሃም ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 20 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል እንትትሰዓር ቶተንሃም ዓወት ቀኒዑዋ።

ንኣርሴናል ዘተኣናገደት ፉልሃም ክትምራሕ ድሕሪ ምፅናሕ 2 ን 1 ክትዕወት ክኢላ።

ጋንታ ፉልሃም ንኽትዕወት ራኡል ሄሜኔዝን ኮርዶቫ-ሬይድን እንተመዝግቡወን÷ ብሕታዊት ሸቶ ኣርሴናል ድማ ቡካዮ ሳካ ኣብ መበል 5ይ ደቒቕ ኣመዝጊቡዋ።

ኣብ ካሊእ ፀወታ ንጋንታ ርንማውዝ ዘተኣናገደት ቶተንሃም ሆትስፐርን 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ወፂኣ።

ሳር ኣብ መበል 9ይ ደቒቕ፣ ሰን ሆንግ-ሚን ኣብ መበል 71 ደቒቕን ሪቻርሊሰን ኣብ መበል 80 ደቒቕን እንተመዝግቡወን÷ በርንማውዝ ካብ ባዶ ስዕረት ዘድሐነት ሸቶ ድማ ስኮት ኣብ መበል 84 ደቒቓ ኣመዝጊቡዋ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.