Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጒያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጒያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም። ኣብ ቻይና ከተማ ሁዋን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጒያ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትለየት ማሬ ዲባባ ነቲ ርሕቐት ብ2 ሰዓት 25 ደቒቓን 12 ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ኮይና። ብተመሳሳሊ ኣብ ጣሊያን ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትሌት ኣንችናሉ ደሴ 1 ሰዓት 07 ደቒቓን 55 ሰከንድን ብምእታው ተዓዊታ። ኣብ ቻይና ከተማ ቼንግዱ ኣብ ዝተኻየደ…
Read More...

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንሌሴቶ 2 ን 1 ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ካልኣይ ዙር ፀወታ ምሕዝነት ንሌሴቶ 2 ን 1 ብመስዓር ተዓዊታ። ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምሕዝነት ፀወታ÷ ሃገራዊት ጋንታ ሌሴቶ ቅድሚ ዕረፍቲ ብሌህሎሆኖሎ ፎቶኣኔ ብዘመዝገባ ብሕታዊት ሸቶ እናመርሐት ናብ ዕረፍቲ ወፂኣ ነይራ፡፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ድማ…

ኣትሌት ዘውዲቱ ኣደራው ኣብ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 13 መላእ ፀወታታ ኣፍሪካ ብፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ዘውዲቱ ኣደራው 2ይቲ ብምውፃእ ንሃገራ ሜዳሊያ ብሩር ክተምፅእ ክኢላ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ውድድር 20 ኪሎ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ እናተኻየደ እንትኸውን÷ ኣትሌታት ተሰማ መኮነን፣ ማስረሻ ብሪን ሃፍታሙ ኣባዲ ኢትዮጵያ ብምውካል እናተወዳደሩ…

ኢትዮጵያ ብውድድር ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ወሲዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል 13 ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ ብውድድር ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ሜዳሊያ ብሩርን ነሓስን ወሲዳ። ኣብቲ ውድድር ውዴ ከፍያለው፣ ተኬን ኣማረ ብቕደም ሰዓብ ካልኣይን ሳልሳይን ብምውፃእ እቶም ሜዳሊያታት ንሃጎም ኣምፂኦም። ከምኡውን ኣበሩ ኣያና ኣብቲ ውድድር መበል ራብዓይ ደረጃ ከምዝሓዘ ተገሊፁ።…

ኢትዮጵያ ብውድድር ምርኩስ ዝላ ደቂ ተባዕቲዮ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል 13 ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ ውድድር ምርኩስ ዝላ ደቂ ተባዕቲዮ ሜዳሊያ ነሓስ ከምዝረኸበት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ገሊፁ። ከም ኣገላልፃ እቲ ፌዴሬሽን፥ ኣትሌት ኣበራ ለማ ኣርባዕተ ሜትሮ ብምዝላል እቲ ሜዳሊያ ተረኪቡ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana…

ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ጉያ መሰናክል ደቂ ኣኒስቲዮ 3 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሎሚ ሙለታ  ኣብ ውድድር ጉያ መሰናክል ደቂ ኣኒስቲዮ 3 ሺሕ ሜትሮ ንሃገራ ሜዳሊያ ነሓስ ኣርኪባ። እታ ኣትሌት ነቲ ርሕቐት ብ9 ደቒቓ 26 ሰከንድን 63 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው መበል ሳልሰይቲ ወፂኣ። ከምኡውን ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁን ፍሬሕይወት ገሰሰን ራብዓይን ሓምሻይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን።…

ኢትዮጵያ ብ20 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ስጉሚ ብኣትሌት ምስጋናው 5ይ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 13 መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ብ20 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ስጉሚ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ምስጋናው ዋቁማ 5ይ ሜዳሊያ ወርቂ ንኢትዮጵያ ኣመዝጊቡ፡፡ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ስንታየሁ ማስሬ ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ሜዳሊያ ብሩር ንሃገራ ከምዘመዝገበት ሓበሬታ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ…