Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጒያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጒያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

ኣብ ቻይና ከተማ ሁዋን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጒያ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትለየት ማሬ ዲባባ ነቲ ርሕቐት ብ2 ሰዓት 25 ደቒቓን 12 ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ኮይና።

ብተመሳሳሊ ኣብ ጣሊያን ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትሌት ኣንችናሉ ደሴ 1 ሰዓት 07 ደቒቓን 55 ሰከንድን ብምእታው ተዓዊታ።

ኣብ ቻይና ከተማ ቼንግዱ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ደቂ ተባዕቲዮ፥ ኣትሌት ፈቃዱ መርጋ  ነቲ ርሕቐት ብ2 ሰዓት 16 ደቒቓን 9 ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳማይ ከምዝወፅአ ተገሊፁ።

ኣትሌት በለጠ መኮንን ድማ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብ ቻይና ከተማ ውዢ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ማራቶን ደቂ ተባዕቲዮ፥ ኣትሌት ታዱ ኣባተ ነቲ ርሕቀት ብ2 ሰዓትን 6 ደቒቓን 18 ሰከንድን ብምዝዛም ተዓዋቲ ኮይኑ።

ኣትሌት ኣባይ ኣለሙ ኣብቲ ውድድር ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ኣትሌት ኢዩ።

ኣብ ሕቡራት ኢሜሬትስ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ 8 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር፥ ኣትሌት በሪሁን ፈዬ ቀዳማይ፣ ገመቹ ቶለሳ ካልኣይ፣ ኣየንሳ ኣለሙ ድማ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.