Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ሕፁያት ኮኾብ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ 2023 ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕፁያት ኮኾብ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ(ካፍ) 2023 ዕላዊ ኮይኑ። ኣብቲ ዝርዝር 30 ተፃወትቲ ብሕፁይነት ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ 20 ዝኾኑ ኣብ ጋንታታት ኣፍሪካ ዝፃወቱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ካብ መንጎ እቶም ዝርዝር፥ ሞሃመድ ሳላህ፣ ሪያድ ማህሬዝ፣ ኣሺራፍ ሃኪሚ፣ ሞሃመድ ኩዱስ፣ ቪንሴንት ኣቡበከር፣ ሳዲዮ ማኔ፣ ቪክቶር ኦሲሜንን ሲን ቦኖን ተረቋሕቲ ኢዮም። ናይቲ ዓመት ብሉፃት ሓለውቲ ልዳት፣ ብሉፃት ተፃወትቲ መናእሰይ፣ ብሉፅ ብሄራዊ ጋንታ፣ ብሉፅ ጋንታን ዝበለፀ…
Read More...

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣዳማ ከተማ ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 5ይ ሰሙን ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኣዳማ ከተማ ንድሬዳዋ ከተማ 2 ን 1 ብምስዓር ተዓዊታ፡፡ ቀትሪ 9 ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኣዳማ ከተማ ንኽትዕወት ኣብዲሳ ጀማልን እሰጋኸኝ ጴጥሮስ (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ) እንተመዝግቡወን ዘርኣይ ገብረስላሴ ድማ ብሕታዊት ሸቶ ድሬዳዋ ከተማ ኣመዝጊቡዋ፡፡ እቲ ውፅኢት ስዒቡ…

ሉሲታት ናይ መልሲ ፀወተአን ሎሚ መዓልቲ ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መፃረዪ ፀወታ ኩዕሾ እግሪ ኦሎምፒክ ደቂ ኣንስትዮ 2024 ካልኣይ ዙር ናይ መልሲ ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ናይጀሪያ መዘነኣ ክተካይድ ኢያ። እቲ ፀወታ ሎሚ ምሸት ሰዓት 12፡10 ኣብ ኣቡጃ ስታዲየም ኣቢዮላ ከምዝገብር ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ሉሲታት ናይ መልሲ…

ሊዮኔል ሜሲ ን8ይ ግዘ ተዓዋቲ ሽልማት ባሎንዶር ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊዮኔል ኣንደሬስ ሜሲ ተዓዋቲ ሽልማት ባሎንዶር 2023 ኮይኑ፡፡ ስነ-ስርዓት ሽልማት ተዓዋቲ ባላንዶር 2022/ 2023 ትማሊ ምሸት ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ተኻይዱ፡፡ በዚ ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ኣርጀንቲናዊ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሊዮኔል ሜሲ ብሉፅ ተፃዋታይ ዓለምና ተባሂሉ ን8ይ ግዘ ሽልማት ባሎንዶር ተጎናፂፉ፡፡ ኣብ…

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳኣ ንኽትፃወት እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያ መለክዒታት ብምምላእ ፀወታኣ ኣብ ሜዳኣ ንኽትፃወት ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ገሊፆም። መበል 15 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ፡፡ ኩዕሾ እግሪ…

ኣብ ማንቹሪያን ደርቢ ማቼስተር ሲቲ ንማንቼስተር ዩናይትድን 3 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ንማንቼስተር ዩናይትድን 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዊታ፡፡ ምሸት 12፡ 30 ኣብ ዝተኻየደ ደርቢ ማንቹሪያን÷ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡ ማንቼስተር ሲቲ ንኽትዕወት ክልተ ሸቶታት ኧርሊንግ ሃላንድ ብፀወታን ብፍፁም ቅላዕን እንተመዝግብ÷…

ሱፐር ሰንዴይ ማንቹሪያን ደርቢ ኣብ ኦልድትራፎርድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 10ይ ሰሙን ፕሪሚየርሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ዝገብረኦ ፀወታ ማንቹሪያን ደርቢ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ምሽት ሰዓት 12፡30 ኣብ ዝግበር ፀወታ÷ ማንቼስተር ሲቲ ምስ መሪሕ እቲ ሊግ ቶተንሃም ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ንምፅባብ ናብ ሜዳ እንትትኣቱ፤ ማንቼስተር ዩናትድ ብኣንፃሩ ናይ ደርቢ ክብራ…