Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳኣ ንኽትፃወት እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያ መለክዒታት ብምምላእ ፀወታኣ ኣብ ሜዳኣ ንኽትፃወት ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ገሊፆም።

መበል 15 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኩዕሾ እግሪ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘለዎ ህዝባዊ መሰረት ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ንህንፀት ምስሊን ስፖርት ዲፕሎማሲን ምስ ሃገራት ዘለዋ ርክብ ንምዕባይ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝኾነ ኣምባሳደር መስፍን ኣብቲ ጉባኤ ተዛሪቦም፡፡

ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ÷ ኣብ ልምዓት ኩዕሾ እግሪ ምስ ፌዴሬሽናት ኩዕሾ እግሪ ካልኦት ሃገራት ምትሕብባር ብምፍጣር ዝጀመሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣተሓሳሲቦም፡፡

መንግቲ መለክዒ ማሕበር ዓለም ለኸ ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ)ን ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ)ን ዘማለአ ስታዲየም ብምስንዳእ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳኣ ንኽትፃወት ብፍሉይ ትኹት እናሰርሐ ምዃኑ እውን ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.