Fana: At a Speed of Life!

ሊዮኔል ሜሲ ን8ይ ግዘ ተዓዋቲ ሽልማት ባሎንዶር ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊዮኔል ኣንደሬስ ሜሲ ተዓዋቲ ሽልማት ባሎንዶር 2023 ኮይኑ፡፡

ስነ-ስርዓት ሽልማት ተዓዋቲ ባላንዶር 2022/ 2023 ትማሊ ምሸት ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ተኻይዱ፡፡

በዚ ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ኣርጀንቲናዊ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሊዮኔል ሜሲ ብሉፅ ተፃዋታይ ዓለምና ተባሂሉ ን8ይ ግዘ ሽልማት ባሎንዶር ተጎናፂፉ፡፡

ኣብ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢንተር ሚያሚ እናተፃወተ ዝርከብ ሊዮኔል ሜሲ÷ ኣብ ኳታር ኣብ ዝተኻየደ ፅዋዕ ዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ሻምፒዮን ዓለም ምዃኑ ይዝከር፡፡

እደቂ ኣንስትዮ ድማ ስፔናዊት ኮኸብ ኣይታና ቦንማቲ ተዓዋቲት ሽልማት ባሎንዶር ክትከውን ክኢላ፡፡

ጓል 25 ዓመት ቦንማቲ÷ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ስፔን ፅዋዕ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ተዓዊታ፡፡

ብካሊእ መዳይ ፀዋታይ ጋንታ ማንችስተር ሲቲ ኧርሊንግ ሃላንድ ብዙሕ ሸቶ ንዘመዝገቡ ተፃወትቲ ዝወሃብ ሽልማት “ገርድ ሙለር” እንትዕት÷ ሓላዊ ልዳት ኣስቶንቪላ ኣርጀንቲናዊ ኤሚ ማርቲኔዝ ንብሉፃት ሓለውቲ ልዳት ዝወሃብ ሽልማት “ያሲን ትሮፊ” ተዓዋቲ ኮይኑ።

ጁድ ቤሊንግሃም ድማ ትሕቲ 21 ዓመት ንዘለዉ ተፃወትቲ ዝወሃብ “ኮፓ ትሮፊ” ሽልማት ተዓዊቱ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.