Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣብ ታሪክ መበል ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣብ ታሪክ መበል ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊታ።

ኣብ ቻይና ዝያሜን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ጒያ ዲያመንድ ሊግ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፥ ነቲ ርሕቐት ብ3 ደቒቓ 50 ሰኮንድን 30 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ነቲ ውድድር ብቐዳምነት ዛዚማ።

እቲ ዝኣተወትሉ ሰዓት ነቲ ርሕቐት ኣብ ታሪክ መበል ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ብምዃን ከምዝተመዝገበረ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.