Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ ኢትዮጵያ ተፍሪ ተኻዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

ኣብቲ ውድድር ልዕሊ 10 ሺሕ ውልቀ ሰባት ከምኡ እውን ካብ 22 ጋንታታት ዝተውፃእፅኡ ኣትሌታት ተሳቲፎም፡፡

ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታ ኢትዮጵያ ፈርዮም ናብ ዓለም ለኸ ጋንታታት ዝቐርቡ ዕጥቂታት ስፖርት ምፍላጥ ዕላማ እቲ ጉያ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ወፃኢ ዝኣተዉ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምፍራይ ምቹው ኩነታ ብምፍጣር ንሸርፊ ወፃኢ ዝወፅእ ገንዘብ ኣብ ምድሓን ውፅኢት እናተረኸበ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ምስ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዝተሰናደአ እቲ ውድድር÷ መበገሲኡን መዛዘሚኡን መስቀል ኣደባባይ ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ውድድር ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ገመቹ ዲዳ ቀዳማይ እንትወፅእ÷ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ጌጤ ኣለማየሁ ተዓዊታ፡፡

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.