Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣዳማ ከተማ ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 5ይ ሰሙን ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኣዳማ ከተማ ንድሬዳዋ ከተማ 2 ን 1 ብምስዓር ተዓዊታ፡፡

ቀትሪ 9 ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኣዳማ ከተማ ንኽትዕወት ኣብዲሳ ጀማልን እሰጋኸኝ ጴጥሮስ (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ) እንተመዝግቡወን ዘርኣይ ገብረስላሴ ድማ ብሕታዊት ሸቶ ድሬዳዋ ከተማ ኣመዝጊቡዋ፡፡

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኣዳማ ከተማ ብ11 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እንትቕመጥ ኣብቲ ፕሪሚየርሊግ ድኹም ኣጀማምራ ዘርአየት ድሬዳዋ ከተማ 4 ነጥቢ ብመሓዝ መበል 12 ደረጃ ሒዛ ትርከብ፡፡

መርሃ ግብሪ 5ይ ሰሙን ምክያዶም እንትቕፅሉ ምሸት 12 ሰዓት መቻል ምስ ሃምበሪቾ ዱራሜ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.