Fana: At a Speed of Life!

ሕፁያት ኮኾብ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ 2023 ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕፁያት ኮኾብ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ(ካፍ) 2023 ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብቲ ዝርዝር 30 ተፃወትቲ ብሕፁይነት ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ 20 ዝኾኑ ኣብ ጋንታታት ኣፍሪካ ዝፃወቱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ካብ መንጎ እቶም ዝርዝር፥ ሞሃመድ ሳላህ፣ ሪያድ ማህሬዝ፣ ኣሺራፍ ሃኪሚ፣ ሞሃመድ ኩዱስ፣ ቪንሴንት ኣቡበከር፣ ሳዲዮ ማኔ፣ ቪክቶር ኦሲሜንን ሲን ቦኖን ተረቋሕቲ ኢዮም።

ናይቲ ዓመት ብሉፃት ሓለውቲ ልዳት፣ ብሉፃት ተፃወትቲ መናእሰይ፣ ብሉፅ ብሄራዊ ጋንታ፣ ብሉፅ ጋንታን ዝበለፀ ኣሰልጣንን እውን ብሕፁይነት ዕላዊ ኮይኖም ኢዮም።

ካብቶም ሕፁያት ናይ መወዳእታ ምርጫ 11 ታሕሳስ 2023 ኣብ ሞሮኮ ከምዝካየድ ኣብ ካፍ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.