Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ተወሳኺ መዳሊያ ብሩር ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ተወሳኺ መዳሊያ ብሩር ረኺባ። ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ኤርሚያስ ግርማ ነቲ ርሕቐት ብ3 ደቒቓ 37 ሰከንድ 24 ማይክሮ ሰከንድ ብምዝዛም መበል ካልኣይ ደረጃ ሒዙ። ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ተወሳኺ መዳሊያ ወርቂ ከምዝረኸበት ካብ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም…
Read More...

ሎሚ መዓልቲ ቀትሪን ለይቲን ኣብ ዝካየዱ ውድድራት መፃረዪን ፍፃመን ሻምፒዮና ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌቶች ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝሓዘ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ቀትሪን ለይቲን ኣብ ዝካየዱ ውድድራት መፃረዪን ፍፃመን ኢትዮጵያውያን ኣትሌቶች ክሳተፉ ኢዮም። ሎሚ ቀትሪ ድሕሪ ሰዓት 11 ኣብ ዝካየደ መፃረዪ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ÷ ኣትሌት መልኬነህ ኣዘዘውን ኣብዲሳ ፈይሳን ንኢትዮጵያ ክውክሉ…

ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ረኺባ። ኣኮሎምቢያ ካሊ እየተኻየደ ዝርክብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ለይቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ፈለምቲ ሜዳሊያታት ወርቂን ብሩርን ክትረክብ ክኢላ።…

ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ዝጅምር ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዝተፈላለዩ ውድድራት ክሳተፉ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ምሸት ሰዓት 12 መፃረዪ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝግበር እንትኸውን፥ ምሸት ሰዓት 12፡30 ድማ መፃረዪ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ…

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መሰታኡ ደቡብ ሱዳን 5 ንባዶ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ሱዳን  ኣብ ዝገበሮ መፃረዪ ፀወታ ሻምፒዮና ኣፍሪካ(ቻን) 5 ንባዶ ብምዕዋት ናብ ቀፃሊ ዙር ሓሊፉ። መበል ሻውዓይ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ቻን ኣብ ኣልጀሪያ 2023 ዓ.ም.ፈ ክካየድ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሎሚ መመዓልቲ…

እዞም ጀጋኑ ኣትሌታት ውፅኢት ቅብብል ትውልዲ ነባር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኢዮም-ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዞም ጀጋኑ ኣትሌታት ውፅኢት ቅብብል ትውልዲ ነባር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኢዮም ክብላ ፕሬዚዳንት ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉ ተዛሪበን። ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝግበሩ ውድድራት በዝሒ ሜዳሊያ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ክብ ንክብል ከምዝስራሕ እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን። ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን ኣብ ዝተሳለጠ መበል…

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝሳተፉ ትሕቲ 20 ዓመት ኣትሌታት ስነ ስርዓት ምፍናው ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ኣብ ዝግበር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝሳተፉ ትሕቲ 20 ዓመት ኣትሌታት ስነ ስርዓት ምፍናው ተሳሊጡ። እቲ ስነ ስርዓት ምፍናው 2 ሰዓት ናይ ንጎሆ ዝተገበረ እነትኸውን፥ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተወከልቲ  ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ ተፈፂሙ። ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ዝግበር ውድድር…