Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ መዓልቲ ቀትሪን ለይቲን ኣብ ዝካየዱ ውድድራት መፃረዪን ፍፃመን ሻምፒዮና ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌቶች ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝሓዘ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ቀትሪን ለይቲን ኣብ ዝካየዱ ውድድራት መፃረዪን ፍፃመን ኢትዮጵያውያን ኣትሌቶች ክሳተፉ ኢዮም።

ሎሚ ቀትሪ ድሕሪ ሰዓት 11 ኣብ ዝካየደ መፃረዪ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ÷ ኣትሌት መልኬነህ ኣዘዘውን ኣብዲሳ ፈይሳን ንኢትዮጵያ ክውክሉ ኢዮም፡፡

ብደቓይቕ ኣፈላላይ ሰዓት 11፡35 ኣብ ዝካየድ መፃረዪ ውድድር ሰ ሺሕ መሕንኩሎ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ሳሙኤል ፍሬውን ሳሙኤል ጉዲና ክሳተፉ ኢዮም፡፡

ኣብ ካሊእ መርሃ ግብረ ለይቲ ሰዓት 7፡55 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍጻመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝካየድ እንትኸውን÷ ኤርሚያስ ግርማን ኣድሃና ካሳዬን ንኢትዮጵያ ከምዝውክሉ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ለይቲ ሰዓት 8፡10 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ 800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ÷ቅሳነት ኣለም ክትሳተፍ ኢያ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.