Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ጋንታ ባርሴሎና ንኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ብምስንባት ንኪኬ ሴቲዬን ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ብምግባር ሾይማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስፔናዊት ውርይቲ ጋንታ ባርሴሎና ንኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ብምስንባት ንነበር ኣሰልጣኒ ሪያል ቤቲስ ኪኬ ሴቲዬን ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ብምግባር ምሻማ ተገሊፁ። ወዲ 55 ዓመት ኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ንጋንታ ባርሴሎና ኣብ ዝመርሑሉ እዋን እታ ጋንታ ክልተ ፅዋዕ ላሊጋ ስፔን ክተልዕልን ናይዚ ዓመት ውድድር ድማ ብኣፈላላይ ነጥቢ ነቲ ሊግ ብቀዳማይ ደረጃ ክትመርሕን ኣኽኢሎምዋ ኢዮም። ይኹን እምበር ኣማራርሓታት ካታላናዊት ጋንታ ባርሴሎና እቶም ኣሰልጣኒ ናብ ውድድር ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ አውሮፓ…
Read More...

ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተኸየደ ውድድር ፍረቂ ማራቶን ኣትሌት ፀሃይ ገመቹ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተኸየደ ውድድር ፍረቂ ማራቶን ደቂ ኣነስትዮ ኣትሌት ፀሃይ ገመቹ ተዓዋቲት ኮይና። ኣትሌት ፀሃይ ነቲ ርሕቐት ብ1 ሰዓትን 20 ደቒቓን 29 ሰከንድን ብምእታው እንትትስዕር፥ ኣትሌት ታደለች በቀለ ሳልሰይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ። ኣብ ስፔን ዝተሳለጠ ተመሳሳሊ ውድድር ዓመታዊ ፍርቂ ማራቶን ሁዋን ሙጉዬርዛ፥…

በዓል 11 ለካቲት ብዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ውድድራት ንምድማቕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓትን ምጅማር ብረታዊ ቓልሲን በዓል 11 ለካቲት ንምድማቕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሳለጡ ምህላዎም ተገሊፁ። ካብቶም ዝሳለጡ ዘለው ዓበይቲ ምድላዋት፥ ስፖርታዊ ውድድራት ሓደ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ። እቶም ውድድራት ዝድለ ትርጉም ምእንታን ከሕልፉ ዝተዋደደ ምድላው ይግበር ከምዘሎ አካቢ ኮሚቴ ስፖርት…

ኣብ ሻውዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎን መቐለ 70 እንደርታን ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ ሻውዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን መቐለ 70 እንደርታን ኣብ ልዕሊ መጋጥምተን ክልተ ንባዶ ብዝኾነ ተመሳሳሊ ውፅኢት ዓወት ኣመዝጊበን። ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ተራኺባ ክልተ ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት እንትትዕወት፥ እተን ሸቶታት…

ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋልን ጋንታ ሊቨርፑልን ሰይዶ ማኔ ተዓዋቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ኣፍሪካ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋልን ጋንታ ሊቨርፑልን ሰይዶ ማኔ ተዓዋቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ኣፍሪካ ኮይኑ ብፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ተሓርዩ። ሰይዶ ማኔ ኮኾብ ተፃዋታይ ኣፍካ ኮይኑ ዝተሓርየ፥ ንወዲ ጋንትኡ ግብፃዊ መሓመድ ሳላሕን ንተፃዋቲ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ኣልጀርያዊ ሪያድ መሃሬዝን ብምብላፅ ኢዩ።…

ኢትዮጵያውያን ኢንተርናሽናን ዳያኑ ዘመነ ውድድር 2020 ናይ ፊፋ ባጅ ተዋሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዘመነ ውድድር ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ፀወታታት ዝመርሑ ኢትዮጵያውያን፥ ናይ ፊፋ ባጅ ከምዝተውሃቦም ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ)፥ ዝተሰናድአሎም ፈተና ብቕዓት ኣካል ብብቕዓት ዝሓለፉ ዝርዝር ሽም 21 ኢትዮጵያውያን ኢንተርናሽናል ዳያኑ…

ኣብ ሓምለዋይ ስታዴም ኣሰላ እናተኻየደ ዝርከብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ሰገናት ኢትዮጵያ እናቐፀለ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሓምለዋይ ስታዴም ኣሰላ እናተኻየደ ዝርከብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ሰገናት ኢትዮጵያ ይቕፅል ኣሎ። ብዙሓት ሰገናት ኣትሌታት ዝሳተፉሉ እቲ ሻምፒዮና፥ ካብ 20 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሓምለዋይ ስታዴም ኣሰላ እናተኻየደ ይርከብ። ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተኸየዱ ግጥማት፥ ውድድር ፍፃመ ውርወራ ዲስከስ፣ ውርወራ ኣሎሎ፣…