Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሻውዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎን መቐለ 70 እንደርታን ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ ሻውዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን መቐለ 70 እንደርታን ኣብ ልዕሊ መጋጥምተን ክልተ ንባዶ ብዝኾነ ተመሳሳሊ ውፅኢት ዓወት ኣመዝጊበን።

ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ተራኺባ ክልተ ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት እንትትዕወት፥ እተን ሸቶታት ጁኒያስ ናንጂቡ ኣብ መበል 24ን 58 ደቒቓ ከቑፅረን ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ መይዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ንኣዳማ ከተማ ዘተኣናገደት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ  ብግደኣ፥ ክልተ  ንባዶ  ብዝኾነ ተመሳሳሊ ውፅኢት ተዓዊታ ኣላ።

ተፃዋታይ ጋንታ ኣዳማ ከተማ ሱሌይማን ሰሚድ ኣብ መበል 47 ደቒቓ ኣብ ናይ ባዕሉ መረብ ብዘቑፀራ ሸቶን አማኑኤል ገ/ሚካኤል ኣብ መበል 90 ደቒቓ ብዘቑፀራ ካልአይቲ ሸቶን እታ ጋንታ ንመጋጥምታ ረቲዓ።

ብተመሳሳሊ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝነበሩ ፀወታታት፥ ጋንታ ባህርዳር ከተማ ንኢትዮጵያ ቡና አተኣናጊዳ 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ።

ኣብ መወዳኣታ ደረጃ ትረከብ ጋንታ ሃዲያ ሆሳእና ኣብ መይዳኣ ንሲዳማ ቡና 2 ን 1 እንትስዕር፥ ጅማ ኣባ ጅፋር እውን ንወልቂጤ ከተማ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ደረጃኣ ኣመሓይሻ።

ሃዋሳ ከተማ ምስ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝገበረኦ ካሊእ ፀወታ 0 ን 0 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት እንትዛዘም፥ መሪሕ እቲ ሊግ ኮይና ዝቐነየት ጋንታ ፋሲል ምስ ወላይታ ዲቻ ሓደ ማዕረ ተፈላሊያ፡፡

ትማሊ ንሰበታ ከተማ ዘተኣናገደት ጋንታ ስሑል ሽረ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይፍለጥ።

ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ፥ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ብ14 ነጥቢ፣ መቐለ 70 እንደርታ ብ13 ነጥቢን ፋል ከነማ ብ12 ነጥቢን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ብመሓዝ እናመርሐኦ ይርከባ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.