Fana: At a Speed of Life!

በዓል 11 ለካቲት ብዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ውድድራት ንምድማቕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓትን ምጅማር ብረታዊ ቓልሲን በዓል 11 ለካቲት ንምድማቕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሳለጡ ምህላዎም ተገሊፁ።

ካብቶም ዝሳለጡ ዘለው ዓበይቲ ምድላዋት፥ ስፖርታዊ ውድድራት ሓደ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

እቶም ውድድራት ዝድለ ትርጉም ምእንታን ከሕልፉ ዝተዋደደ ምድላው ይግበር ከምዘሎ አካቢ ኮሚቴ ስፖርት ለካቲትን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ፦

1. ብብርኪ ክልል ልዕሊ 45 ሸሕ ህዝቢ ከተማ መቐለን ከባቢኡን ዝሳተፈሉ “ጉያ ለካቲት” ብዝብል ሽም ዝካየድ ዓብይ ጉያ 8 ለካቲት 2012 ዓ/ም ክካየድ ኢዩ።

2. ውድድር ሳይክል

ሀ. ዙር ለካቲት ብዝብል ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ጋንታታት ብስክሌትን ካብ ካልኦት ሰለስተ ወፃኢ ሃገራት ዝተዓደሙ ብስኪለተኛታት ዝሳተፍሉ ካብ ከተማ መቐለ ናብ ደደቢት ዝግበር ውድድር ካብ 2 – 7 ለካቲት 2012 ዓ/ም ክሳለጥ ኢዩ።

ለ. ምድብ A ክልቲኡ ፆታ ዝሳተፍሉ ውድድር ብስክሌት 8 ለካቲት 2012 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝሳለጥ

ሐ. ዓበይትን ላዕለዎት ሊግ ጋንታት ኩዕሶ እግሪ ክልልና ዝሳተፋሉ ውድድር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ከምዝሳለጥን፣

መ. ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 6 ለካቲት ኣብ መላእ ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ማስ ስፖርት፣ ውድድር ኩዕሶ እግሪ፣ ጉያ ለካቲት፣ ባህላዊ ስፖርትታትን ውድድራትን ንምክያድ ምድላዋት ከምዝተዛዘመ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ሓቢሮም።

“ሰብ ዋና በዓል 11 ለካቲት ዝኾነ ህዝብና ብሓፈሻ፣ ተረከብቲ ሕድሪ መናእሰያትናን ሰራሕተኛታት ፀጥታን ከዓ ብፍላይ እዚ ድሙቕ ታሪኽ ገሊ ህዝቢ ትግራይ ንምድማቕን በቶም ውድድራት ኣቢልካ ክሓልፍ ዝድለ ልዑል ትርጉም ንምዕዋትን ከምቲ ልሙድ ዝኸኣልዎ ኩሉ ክገብሩ እላቦ” ኢሎም።

ፍልፍል፦ጋዜጣ ወይን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.