Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓምለዋይ ስታዴም ኣሰላ እናተኻየደ ዝርከብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ሰገናት ኢትዮጵያ እናቐፀለ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሓምለዋይ ስታዴም ኣሰላ እናተኻየደ ዝርከብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ሰገናት ኢትዮጵያ ይቕፅል ኣሎ።

ብዙሓት ሰገናት ኣትሌታት ዝሳተፉሉ እቲ ሻምፒዮና፥ ካብ 20 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሓምለዋይ ስታዴም ኣሰላ እናተኻየደ ይርከብ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተኸየዱ ግጥማት፥ ውድድር ፍፃመ ውርወራ ዲስከስ፣ ውርወራ ኣሎሎ፣ ብ400 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ኣነስትዮን፣ 800 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ኣነስትዮን ከምኡ እውን ብዙሓት መፃረዪ ውድድራት ተኻይዶም።

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ እቲ ሻምፒዮና፥ ልዕሊ 16ን ትሕቲ 18ን ዓመት ብዝላ ዲስከስን ርሕቐትን ብደቂ ኣንስትዮን ተባዕትዮን 100 ሜትሮ፣ 400 ሜትሮ ውድድራ ተኻይዶም፣ 12 ውድድራት ፍፃመን ዝተፈላለዩ ግጥማት መፃረዪን ከምዝተኻየዱ ተገሊፁ።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ፥ ብውርወራ ጦርን ዝላ ስሉስን ደቂ ተባዕትዮ፣ 400 ሜትሮ ጉያ መሕንኩሎ ደቂ ኣነስትዮ፣ ብ100ን 200ን ሜትሮ መሐንኩሎ ደቂ ኣነስትዮን ተባዕትዮን ትሽዓተ ውድድራት ፍፃመ ክካየዱ ምኽኣሎም እውን ተሓቢሩ።

እቲ ደቂ 15፣ 16፣ 17 ዓመት ሰገናት ዝሳተፉሉ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ፥ ክሳብ 25 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.