Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮርያ ናብ ህዋ ዘወንጨፈታ ፈላመይቲ ሳተላይት ናብ ባሕሪ ከምዝወደቐት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮርያ ናብ ህዋ ክትልእኻ ዝሓሰበታ ፈላመይቲ ሳተላይት ሓደጋ ኣጓኒፉዋ ናብ ባሕሪ ከም ዝወደቐት ገሊፃ።

እታ ሃገር ቅድም ክብል ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ኣሜሪካ ንምክትታል 11 ሰነ 2023 ዓ.ም.ፈ ሳተላይት ከወንጭፍ እየ ኢላ ምንባራ ይዝከር።

ሐዚ ከኣ ኣብ ቀረባ ካልኣይ ፈተነ ከም እትገብር ትገልፅ ኣላ።

እቲ ፍሹል ፈተነ ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ሴኡል መጠንቀቕታ ንክወሃብ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፥ ጃፓን ኣብ ደቡብ ክፋል እታ ሃገር ንዝነብሩ ህዝባ ኣጠንቂቓ ነይራ።

ነበርቲ ሴኡል ብድምፂ ሳይረን ነፈርቲ ከምኡ’ውን ከካብ ዘለውዎ ቀልጢፎም ንኽወፅኡ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ስዒቡ ኣብታ ከተማ ምድንጋርን ዘይምርግጋእን ተራእዩ ነይሩ።

ድሕሪ 20 ደቒቕ ግን ብጌጋ ዝተላእኸ እዩ ዝብል መልእኽቲ ከምዝመፅኦም ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ህዝቢ ኣብ ስርዓት መጠንቀቕታ እምነት ከይስእን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ ተባሂሉ።

እንተኾነ፥ እዚ ኣብ መንጐ እተን ን70 ዓመታት ኣብ ወጥሪ ዝርከባ ሃገራት ደሴት ኮርያ ብቐሊሉ ዝርአ ከምዘይኮነ ኢዩ ተገሊፁ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.