Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ስብሓት ነጋ ሓዊሱ ብገበን ዝተጠርጠሩ 20 ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣይተ ስብሓት ነጋ ሓዊሱ ብገበን ዝተጠርጠሩ 20 ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ሎሚ መዓልቲ ዝቐረቡ ቁልፊ ኣመራርሓ ህወሓት ካብ መንጎ ዝነበሩ ኣይተ ስብሓት  ነጋን  ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂምን ይርከብዎም።

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዝ ሰሜን ብዝበፅሐ መጥቃዕቲን ካልኦት ተደራረብቲ ተግባራት ገበንን  ዝድለዩ ከምዝኾኑ መርማሪ ፖሊስ ገሊፁ።

መርማሪ ፖሊስ ሎሚ መዓልቲ ንመጀመርታ ጊዜ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ 20  ተጠርጠርቲ ናይ 14 መዓልታት ጊዜ ምርመራ ሓቲቱ።

ፖሊስ ብመሰረት ዝሓተቶ ድማ ቤት ፍርዲ ከምዝፈቐደ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.