Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዚምባብዌ ሲቡሲሶ ሞዮ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዚምባብዌ ሲቡሲሶ ሞዮ ህይወቶም ምሕላፉ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኤመርሰን ማናንጋግዋ ኣፍሊጦም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ “ዚምባብዌ እሙን ኣገልጋሊ ህዝቢን ሓቀኛን ጅግናኣ ስኢና” ኢሎም።

ሲቡሲሶ ሞዮ ሙሉእ ህይወቶም ንናፅት ዚምባብዌ እናተቓለሱ ነይሮም ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፥ “መሓዛይ ስኢነ” ክብሉ ኣብ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

እቶም ሚኒስትር ብምንታይ ምኽንያት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዕላዊ ኣይገበር እምበር፥ ዝተወሰና መራኸብቲ ሓፋሽ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝኾነ ፀብፂበን።

ሲቡሲሶ ሞዮ፥ ነበር ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋቤ ካብ ስልጣን ንኽለዓሉ ልዑል ግደ ከምዝነበሮም ኒውስ 24 ፀብፂቡ።

ሮበርት ሙጋቤ ካብ ስልጣኖም ምስተኣገዱ ድማ ብፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኤመርሰን ምናንጋግዋ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኮይኖም ከምዝተሾሙ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.