Fana: At a Speed of Life!

ሃማስ እቲ ጊዜያዊ ስምምዕ ደው ምባል ተዂሲ ንክናዋሕ ሓቲትቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃማስ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተገበረ ጊዜያዊ ስምምዕ ደው ምባል ተዂሲ ንክናዋሕ ሓቲትቱ።

እቶም ዝተዓገቱ ሰባት ንምስዳድ ብመሰረት ዝተቐመጠ ገደብ እዋን ፃዕሪ እንተተገበረ እውን ምስ ዘሎ ምፅባብ ግዘ ክሰምር ኣይከኣለን ኢሉ።

ስለዝኾነ እቲ ግዚያዊ ስምምዕ ንተወሳኺ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልታት ንክናዋሕ ባህጊ ከምዘለዎ ንክልቲኦም ሓይሊታት የሸማግላ ንዘለዋ ኳታርን ግብፅን ገሊፁ።

እቲ ዝተገበረ ግዚያዊ ስምምዕ  ደው ምባል ተዂሲ ስዒቡ፥ ሃማስ ዝዓገቶም 40 እስራኤላዊያንን 18 ዜጋታት ወፃኢን እንትለቅቕ እስራኤል ብግደኣ 117 ፍልስጤማዊያን ምፍትሓ ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.