Fana: At a Speed of Life!

ሃማስ 4 ወታደራዊ ኣመራርሓታት ከምዝተቐተሉዎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃማስ ኣርባዕተ ላዕለዎት ወታደራዊ ኣመራርሓታት ከምዝተቐተሉዎ ኣፍሊጡ።

ወታደራዊ ክንፊ ሃማስ ብርጌድ ኣልቃሲም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ኣብ ኲናት እስራኤልን ሃማስን ኣርባዕተ ላዕለዎት ወታደራዊ ኣመራርሓታት ሃማስ ኣበ ወሽመጥ ጋዛ ከምዝተቐተሉ ኣረጋጊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተቐተሉ ኣመራርሓታት÷ ኣዛዚ ብርጌድ ሰሜን ጋዛን ኣባል ወታደራዊ ቤት ምኽሪ ሃማስን ኣሕመድ ኣል ጋንዶር ከምዝርከቦ ሬውተርስ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃማስን ብዝተበፅሐ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ÷ ሃማስ ክሳብ ሕዚ 41 ዝተዓገቱ እስራኤላውያን ምልቃቕ ተገሊፁ፡፡

ተወሰኽቲ ብሃማስ ዝተዓገቱ እስራኤላውያን ዜጋታት ሎሚ ከምዝልቀቑ ተሓቢሩ፡፡

እስራኤል ብግደኣ ሳልሳይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ ምቁራፅ ተኹሲ 78 ፍልስጤማውያን እሱራት ምፍትሓ ተገሊፁ፡፡

ብኻሊእ መዳይ እቲ ስምምዕነት ስዒቡ 248 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ናብ ጋዛ ከምዝኣተዋ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.