Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝብታት ዘለዎ ሓድነት ናብ ዘጠናኽረሉ ብርኪ ኣብ ምምፃእ እዚ ባይቶ ክሰርሓሉ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ቀረብ ሓገዝ፣ ንህወሓት ካብ ግብረ ራዕዲነት ምስራዝ፣ ርክብ ኦሮሞን ኣምሓራን ብዝምልከት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቅራብ መብርሂ ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ሓገዝ ብዝምልከት ዘየድሊ ልምዲ ይርአ ኣሎ ኢሎም።

ነዚ ድማ ብሽም ተሓገዝቲ ስርቂ ይጋፋሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ሓገዝ ንመሻገሪ ፀገም ክኸውን ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብሰንኪ ድርቂ ዘጋጠሙ ፀገማት ንምቕራፍ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ልቓሕ ኣብ ምቕናስ፣ እቶት ኣብ ምስሳን፣ ስርቂ ኣብ ምቕናስን ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ምንጋስ ፈላሞት ስራሕና ክኾኑ ይግባእ ኢሎም።

ትግራይ ብዝምልከት፥ “እዚ ባይቶ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ህወሓት ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንህወሓት ንክስረዝ ምግባሩ ግቡእ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ነዚ ድማ ከምዘመስግኑ ተዛሪቦም።

ነቲ ሓሳብ ዝቃወሙ ኣካላት እውን ትኽክል ኢዮም፤ ኮይኑ ግን ሰላም ይጠቕመና ኢዩ ኢልና ዝገበርናዮ እንበር ኩሉ ነገር ስለዝተመዓራረየ ኢዩ ማለት ኣይኮነን ኢሎም።

ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝብታት ዘለዎ ሓድነት ናብ ዘጠናኽረሉ ብርኪ ኣብ ምምፃእ እዚ ባይቶ ክሰርሓሉ ይግባእ ክብሉ ኣብሪሆም።

“ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘለዉ ምፍሕፋሓት ንዝኾነ ሰብ ኣይረብሑን። ስለዚ ብረጋዕታ፣ ስኽነት፣ ምዝርራብን ምዝታይን ክፍትሑ ይግባእ።” ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብርሂኦም።

ቃሕ ዝበሎ ፀገም እንተሃለወ ክልቲኦም ወገናት ካብ ምርሕሓቕን ምድፍፋእን ብምውፃእ ብመንፈስ ሕውነት ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.