Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 4 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ገይፀ መይፂታት ሰሪቑ ብምስዋር ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 4 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ግምት ዘለዎም ገይፀ መይፂታት ሰሪቑ ብምስዋር ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ።

ተጠርጣሪ እቲ ገበን ዝፈፀሞ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 1 ኣብ ሓደ መሸጢ ወርቂ ሹቕ እንትኸውን÷ እቲ ውልቀ ሰብ ምስ ውልቀ ተበዳሊ ዝምድና ዘለዎን ስራሕቲ ቁፅፅር ንንኽሰርሕ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ እናገልገለ ምፅንሑ ተገሊፁ፡፡

ይኹን እምበር 18 ጥሪ 20 16 ዓ.ም ኣማሲዩ ካልኦት ሰራሕተኛታት እቲ ወርቂ ቤት ናብ ገዝኦም ኣብ ዝኸዱሉ ኣጋጣሚ ተጠርጣሪ ዝተለያዩ ካራት ዘለዎምን ግምታዊ ዋጋኦም 4 ሚሊየን 802 ሺሕን 500 ብር ዝኾኑ 675 ግራም ዝተፈላለዩ ገይፀመይፂታት ወርቂ ብምስራቕ ተሰዊሩ፡፡

ካብ ወርቂ ብተወሳኺ 150 ሺሕ ብር ግምት ዘለዎም 500 ግራም ገይፀመይፂ ብሩርን 22 ሺሕ ብር ጥረ ገንዘብን ከምዝወሰደ ተገሊፁ፡፡

እቲ ውልቀ ሰብ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ብምንቅስቓስ ኣድራሻ እናቐየረ ተሓቢኡ ንምትራፍ ይሕሰብ እምበር ዳግም ካብ ኣዲስ ኣበባ ንምውፃእ ኣብ ላምበረት መናሃሪያ ንጉዕዞ እንትሰናዳእ ለይቲ ከባቢ ሰዓት 10 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ፡፡

እቲ ውልቀሰብ ምስተትሓዘ ብዝተገበረ ምርመራ ናይ ምስፋሕ ስራሕ ካብ ሞንጎ ዝተሰረቑ 552 ግራም ወርቂን 189 ብሩርን ገይፀመይፂታት ኣብ ኮተቤ ክፍለ ከተማ ከየካ ወረዳ 10 ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኣብ ኮርኒስ ተሓኡ ተረኺቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ ተጠርጣሪ ዝርከብ ገንዘብ እውን ክእገድ ተገይሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.