Fana: At a Speed of Life!

ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብዝተማልአ ኩነታት ይካየድ ኣሎ-ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝተውሃበ መግለፂ።

እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብዝተማልአ ኩነታት ይካየድ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ከባቢ ባህርዳር ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ሓይሊታት ፀፅታ እቲ ክልልን ብሓባር ብምዃን ሸሊኹ ዝኣተወ ፅንፈኛ ጉጅለ በቢገዝኡ ናይ ምፍታሽን ምፅራይን ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐን ይስራሕ ከምዘሎን ተሓቢሩ።

ይኹን እንበር ሓይሊታት ፀፅታ ዝወስድዎ ስጉምቲ ምፅዋር ዝኣበዮም ፅንፈኛታት ንባዕልቶም ንምክልኻል ዝገብርዎ ተኺሲ “መጥቃዕቲ” ይፍፅሙ ከምዘለዉ ብምምሳል ፅንፈኛ ሚዲያታት ውሽጥን ግዳምን በምጥቃም ይዛረቡ ኣለዉ ኢሉ።

እዚ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓበሬታ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ናይ ኩሉ ግዘ መደናገሪ ስርሖም ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ከተማ ባህርዳርን ከባቢኡን ካብ ጉጅለ ፅንፈኛ ከምዝፀረየ እውን ገሊፁ።

እቶም ፅንፈኛ ጉጅለታት፥ ሓይሊታት ፀፅታ ብሓባር ዝወስድዎ መጥቃዕቲ ምፅዋር ኣቢዩዎም ሙዉታትን ቁሱላትን ብምዃን ዝሓዝዎ ኣፅዋር ከይተረፈ እናንጠባጠቡ ከምዝሃደሙ ሓቢሩ።

ሓይሊታት ጥምረት ዘካይድዎ ዘለዉ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብዝተማልአ ኩነታት ይካየድ ኣሎ ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.