Fana: At a Speed of Life!

መበል 12 ጉባኤ ኣቬዬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 12 ጉባኤ ኣቬዬሽን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ፥ “ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ካብ ምዝማድ ብተወሳኺ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ እንትከውን፥ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ መፃኢ እዋን ንዓውዲ ኣቪዬሽን ኣፍሪካ ሒዝዎ ዝመፅእ ዕድል፣ ድሕንነት ትራንስፖርት ነፈርቲ ኣፍሪካን ካልኦት ዛዕባታትን ዝጠመተ ዘተ ከምዝገብሩ ተገሊፁ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፣ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው፣ ዋና ፀሓፊ ማሕበር መገዲታት ኣየር ኣፍሪካ ዓብዱራህማን በርቴ፣ ሓለፍቲ ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ መገዲ ኣየራት ካልኦት ዓለም ለኻዊ ሞያተኛታት እቲ ዓውዲን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር) ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ዓለም ለኸ ኢኮኖሚ ንምንቅስቓስ ቁልፊ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዝሓዘቶ ምዕባለ ኢኮኖሚ ዓውዲ ትራንስፖርት ነፈርቲ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎ ንግንዘብ ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሓዞ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ምርምር ሽግግር ኣቪዬሽን ንምርግጋፅ መንግስቲ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም ግብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.