Fana: At a Speed of Life!

መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ዓወታት ሰራዊትናን ዘኹዕ ገፅታን ብዘጉልህ መልክዑ ክኽበር ኢዩ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ዓወታት ሰራዊትናን ዘኹዕ ገፅታን ብዘጉልህ መልክዑ ክኽበር ኢዩ ክብል ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ÷ ኣብ ሃገራዊ እዋናዊ ጉዳያት መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ኣከባብራ መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፥ ዓሚ ኣከባብራ በዓል መበል 127 ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንኸተሓባብር ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብመሃብ ልዑል ዝኾነ ሃገራዊ ምንቅስቓ ብድምቀት ከምዝተኸበረ ይዝከር።

ኣብዚ ዓመት መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ እውን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኸቡ ብዙሓት ልምዲታት ብምውሳድ ብፍሉይ ኩነታ ንምኽባር ኣድላዪ ዝኾነ ቅድመ ምድላዋት እናተገበሩ ከምዝነበሩ ገሊፀን።

እቶም ቅድመ ምድላዋት ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ እናወገኖም ምፅንሑ ኣብሪሀን።

“እቲ በዓል ብብርኪ ሃገር ዝኽበር ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ምስ ጀጋኑ ኣቦታት ፅኑዕ ክብሪ ዝተወረሰ ናይ ሕዚ ሰራዊት ምክልኻልና ፅቡቕ ዓወታትን ዘኹርዕ ምስሊን ብዘጉልህ መልክዑ ክኽበር ኢዩ” ኢለን።

መበል 128 በዓል ዓወት ዓድዋ እዚ ዓመት፥ እቲ ወት ንምዝካር ኣብ ዝተሃነፀ ዝዓበየ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ከምዝኽበር እውን ኣፍሊጠን፡፡

ብብርኪ ሃገር ኣብ ኩለን ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታት፣ ኣብ ትካላት፣ ኣብ መላ ዓለም ኣብ ዝርከባ ኤምባሲታትን ቆንስላታትን ከምዝኽበር ገሊፀን፡፡

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.