Fana: At a Speed of Life!

መበል 128 ዓመት በዓል ዓወት ኲናት ዓድዋ ብድምቀት ንምብዓል ዘኽእል ምድላዋቱ ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 128 ዓመት በዓል ዓወት ኲናት ዓድዋ ብድምቀት ንምብዓል ዘኽእል ምድላዋቱ ከምዝተገበረ ሓላፊ ቢሮ ባህል ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ  ኣፅብሃ ገብረእግዛብሄር(ዶ/ ር) ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ብዓል ንምኽባር ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ምድላዋት እናተወገነ ምፅንሑ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከይዲ ምድላው፥ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተሳተፍሉ ዋዕላ ብምክያድ ካብ ሕሉፍ ኣከባብራታት ተሞክሮ ብምውሳድ ዝጎዶሎ ብምእራም እቲ ምድላው ምውጋኑ ገሊፆም።

መበል 128 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ እንትነኽብር ሕሉፍ ክብርታትና ጠመተ ብምሃብ፣ ህልው ኩነታት ትግራይ መሰረት ገይሩ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምይይጥ ከምዝተገበረሉን ዓበይቲ ዝብሃሉ ናይ ታሪኽ ምሁራት ዝተሳተፍሉ ምዃኑ ኣብርሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.