Fana: At a Speed of Life!

መበል 24 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቃላያት ናይል ኢኳሪያል ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሓዊሱ ትሽዓተ ሃገራት ዝተኻተታሉ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቃላያት ናይል ኢኳሪያል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

ኢትዮጵያ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብኣዶ መንበርነት እናመርሐቶ ዝፀንሐት ምትሕብባር ልምዓት እቲ ዞባ ነተን ሃገራት ዘተኣሳስሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኢነርጂ ከምዘሳለጠት ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሽ በቀለ ተዛሪቦም።

ኣብ ሞንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ምንካይ ድኽነትን ምክልኻል ለውጢ ኣየርን ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ዞባ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለ ይኹን እምበር ብምትሕብባር ኣብ ምስራሕ ብዙሕ ጉዕዞ ከምዘይተኸየደሉ ሚኒስትር ሃፍቲ ማይን መስኖን ያሲር መሓመድ ብግላፆም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.