Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲን ፓርቲታት ፖለቲካን ዘተ ዝግበረሎም ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ንምውሳን ይዛተዩ ኣሎዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲን ፓርቲታት ፖለቲካን ብቐፃልነት ዘተ ዝግበረሎም ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ንምውሳን ይዛተዩ ኣሎዉ።

ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዋና ኣተሓባባሪ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣደም ፋራህ፥ ምስ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ ብምዃን ኣጀንዳታት ንምፍላይን ከይዲ እቲ ዘተ ንምውሳንን ይዛተዩ ኣለዉ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፥ እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ፓርቲን መንግስቲን ባህሊ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ጥዕና ዘለዎ ንሕንሕ ፖለቲካ ንምትካልን ዘኽእል ኢዩ።

መንግስቲ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ፣ ልዕልነት ሕጊ ንምንጋስ፣ ስርዓት ፖለቲካ ንምዝማን ዝግበር ፃዕሪ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ንክድግፉ ምቹእ ምህዳር ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብመሰረት ዘቐመጥዎ ኣንፈት መስ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት በዝበለፀ ተቐራሪብካ ንምስራሕ ዘተ ዝግበረሎም ኣጀንዳታት ንምፍላይ ሎሚ ፈላማይ ዘተ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ተጠናኺሩ ከምዘቕፅል እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.