Fana: At a Speed of Life!

መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ምኽንያት ብምግባር ፌስቲቫል ባህሊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 18 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ምኽንያት ብምግባር “ብዝሃነትን ማዕርነትን ንሃገራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ ወዳጅነት ፌስቲቫል ባህሊ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ፌስቲቫል ንኹሎም ብሄር ብሄረሰባት ዝውክሉ ተሳተፍቲ ዝተረኸቡ እንትኾኑ÷ ባህሊ፣ ምግቢ፣ ናውቲታትን ባህላዊ ሳዕስዒትን ዝተፈላለዩ ብሄር፣ ብሔረሰባትን ህዝብታትን ቀሪቦም፡፡

ኣብቲ ፌስቲቫል ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ነበርቲ እታ ከተማን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ዕዱማትን ከምዝረኸቡ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

መበል 18 መዓልቲ ብሄር፤ ብሄርን ብሄረሰባት ህዝቢታትን ብብርኪ ሃገር ለኸ “ብዝሃነትን ማዕርነትን ንሃገራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ቃል 29 ሕዳር ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ክኽበር እዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.