Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና 400 ሺሕ ዶላር ዋጋ ዘለዎም ማሽናት ሕክምና ብሓገዝ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋውንዴሽን ሪች ኣናዘር ብ400 ሺሕ ዶላር ዝደጎም ሓሙሽተ ማሽናት መሕከሚ ሓንጎል ህፃናት (ኢንዶስኮፒ) ንሚኒስቴር ጥዕና ኣተሓሳሲቡ፡፡

እቶም ማሽናት ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ህፃናት ዝጠራቐም ማይን ካልኦት ሕክምና ሓንጎል ህፃናትን ብኢንዶስኮፒ ናይ ምሕካም ኣግልግሎት ከምዝህቡ ተገሊፁ፡፡

መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ሜዲካል ሚኒስቴር ጥዕና ዶ/ር ኢሉባቡር ቡኖ ከምዝበሉዎ÷ እቶም ማሽናት ኣገልግሎት ምሃብ እንትጅምሩ ኣብ ኢትዮጵያት ፅሬትን ተበፃሕመነትን ሕክምና መጥባሕቲ ሓንጎል ህፃናት ዘመሓይሽ ኢዩ፡፡

እቶም ማሽናት ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ናብ ሆስፒታላት ዩንቨርሲቲ መቐለ፣ ሃዋሳ፣ ባሕር ዳር፣ ጅማን ሃረር ከምዝከፋፈሉ ምግላፁ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.