Fana: At a Speed of Life!

ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፈሽ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተዛበዐ ፀብፃብ ምውፀኦም ቀፂሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፈሽ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተዛበዐ ፀብፃብ ምውፀኦም ቀፂሎም።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሓቂ ብዝፃረር መልክዑ ምፅብፃቦም ከምዝቐፀሉ ገሊፀን።

ንኣብነት ድማ ቢቢሲ “ኢትዮጵያ ሕድሕድ ኲናት ንምብእኣስ ኣቢያተ ትምህርቲ ዓፂያ” ብዝብል ርእሲ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዘውፀኦ ፀብፃብ ፀሪሐን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝባፀሐ ዝራእቲ ብወፍሪ ናይ ምእካብ ባህሊ ዝነበረ እንትኸውን፥ ተምሃሮ እውን ብሓባር ብምዃን ትምህርቲ ዓፂዮም ዝራእቲ ሓረስቶት ብሓባር እናኣከቡ ፀኒሖም ኢዮም።

ነዚ ባህሊን ሓቂን እታ ሃገር እንተይተረደአ ብዝተዛበዐ መልክዑ ዝቐረበ ፀብፃብ ቢቢሲ ብምኹናን ፕሬስ ሴክሬታሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ቢለኔ ስዩም ኣብ ትዊተር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ቢቢሲ ኣብ ርእሱ ዘመላኸቶ ሓሳብ ኮነ ተባሂሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምስሐሓት ዝወፅአ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቶመ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝተዓፀዉ ተምሃሮ ዘይተኣከቡ ናይ ዘመትቲ ሓረስቶት ዝራእቲ ንምእካብ ግዘ ንምርካብ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮዘ ኢኮኖሚ ከምዘለዋን ብምግቢ ርእሳ ንምምኽኣል ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ ርብር ዘድሊ ብምዃኑ፥ ውሳነ ሚኒስቴር ትምህርቲ ግቡእ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ዳንኤል ክብረት ብግደኦም፥ ንቢቢሲ “ኣቦ ሓሶት” ብምባል ዝወፅ መሰሓሓቲ ርእሲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኮኒኖምዎ፡፡

ሚኒስቴር ትምህርቲ ተምሃሮ፣ መምህራንን ካልኦት ኣካላት ዓውዲ ትምህርቲን ናይ ባዕሎም ግደ ንኸበርክቱ ንምግባር ኣቢያተ ትምህርቲ ንሓደ ሰሙን ንኽዕፀዉ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.