Fana: At a Speed of Life!

ሞሃማድ ሞክበር ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ኢራን ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ኣሊ ሃሚኒ ንሞሃማድ ሞክበር ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ብምግባር ሾይሞምዎም፡፡

ሞሃማድ ሞክበር ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ህይወቶም ናይ ዝሓለፉ ፕሬዚዳንት ኢብራሂም ራይሲ ምክትል ከምዝነበሩ ይዝከር፡፡

ብተመሳሳሊ ሓደጋ ህይወቶመረ ንዝሓለፉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ሆሴን ኣሚር ኣብዱላሂ ብምትካእ ድማ ዓሊ ባጌሪ ካኒ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ብምዃን ተሾይሞም፡፡

ኣሊ ባጌሪ ካኒ ቅድም ክብል ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብምዃን እናገልገሉ ከምዝነበሩ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ኢራን ድሕሪ 50 መዓልቲታት ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ከምዝካየድ ምግላፁ እውን ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ዝተፈላለያ ሃገራት ንህዝቢን መንግስቲን ኢራን መግለፂ ሓዘንን ምፅንዕናዕን ኣመሓላሊፈን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.