Fana: At a Speed of Life!

ርዕሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ ናብ ሃዋሳ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ “ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተውሃበ ኣብ ዝርከብ ራብዓይ ዙር ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ኣመራርሓ መንግስቲ መጠቓለሊ ንመሃብ ናብ ሃዋሳ ኣቲዮም፡፡

ርዕሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ ኣብ ሃዋሳ እንትበፅሑ ሓላፊ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሲዳማ ኣብረሃም ማርሻሎን ፍሉይ ኣማኻሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ተሰማ ዲማን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል ከምኡ እውን ዓበይቲ ዓዲን መናእሰይን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣይተ ኣወል ኣብ ማእኸል ስልጠና ሃዋሳ “ካብ ዕዳ ናብ ምንዳ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተውሃበ ኣብ ዝርከብ ራብዓይ ዙር ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ኣመራርሓ መንግስቲ ብምርካብ መጠቓለሊ እቲ ዕለት ክህቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ የመላኽት፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.