Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ስፔሻላይዝድ ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መሪቖም ከፊቶም።
 
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነስርዓት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ዝኾነ ይኹን ሕክምና ወፃኢ ዓዲ በዚ ሆስፒታል ምሕላፍ ይኽአል ኢዩ ኢሎም።
 
ሓፈሻዊ ኩነታት እቲ ሆስፒታል ዑደት ብምግባር፥ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ንቕድሚት ዝወስድን ዝኾነ ይኹን ሕክምና ምሃብ ዝኽእልን ዘበናዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ተሃኒፁ ምርኣዮም ከምዝተሓጎሱ ተዛሪቦም።
 
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር በቢእዋኑ ዝፍፅሞም ተግባራት ዝነኣድ ኢዩ ኢሎም።
 
እቶም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ምትሕስሳቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.