Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንኹሉ ዘካትት ዘላቒ ልምዓት ኢንዱስትሪ ንኽህሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መበል 20 ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ናይ ክብሪ ጋሻ ብምዃን መደረ ኣስሚዖም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዘቕረቡዎ ቁልፊ መደረ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተገበረ ለውጢ ፖሊሲን ብዝሃ ዕቤት ኢንቨስትመንትን ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ንሓምለዋይ ልምዓትን ፍልፍል ፅሩይ መስተ ማይን ዝተውሃበ ትኹረትን ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም፡፡

ንስራሕቲ ማሕበራዊ ልምዓት ዝተገበረ ኣድህቦ ብኣፅንኦት ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ብምድራኽ ንኹሉ ዘካትት ዘላቒ ልምዓት ኢንዱስትሪ ንኽህሉ ፀዊዖም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.