Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ብሕልፈት ህይወት ፕሬዚዳንት ኢብራሂም ራይሲ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ህይወት ፕሬዚዳንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
 
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ህይወቶም ንዝሰኣኑ ፕሬዚዳንት ኢብራሂም ራይሲን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣሚር ኣብዱላሂን ብስም ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያን ብባዕሎምን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
 
ንስድራ ፕሬዚዳንት ኢብራሂም ራይሲን ኣሚር ኣብዱላሂን ከምኡውን ንህዝቢን መንግስቲን ኢራን ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.